
ተረባሕነትን ፅልዋን መናእሰይ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተጣይሹ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምጥያሽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መናእሰይ ኣብ ፓለቲካ፣ ቁጠባን ካልኦት ጉዳያትን ተሳቲፎኦምን ተረባሕነቶምን ንምርግጋጽ ብሰለማዊ መንገዲ ተወዲቦም ክሰርሑ ግቡእ ምዃኑ ገሊጾም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘድሊ ደገፍ ከምዝገብር ዘመላኸቱ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መንእሰይ ልዕሊ ኩሉ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝደሊ ኢሎም።
መንእሰይ መሪሕነቱ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን፣ ኲናት በላዒ መናእሰይ ምዃኑ ብምሕባር ንኲናት እምቢ ክትብሉ ኣለኩም ኢሎም።
እቲ ተጣይሹ ዘሎ ቤት ምኽሪ ተጠናኺሩ ክኸይድን ምስ ተመሳሰልቲ ውዳበታት ብምርኻብ ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣመላኺቶም።
ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሐይሽ ሳባጋድስ ብወገኖም ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ወይ ወገን ነጻ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ብምኽኣልና እንኻዕ ደስ በለኹም ኢሎም።
ንቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ብገንዘብን ናውትን ክጠናኸር ምስራሕ ከምዝግባእ ዘመላኸቱ ኣይተ ሐይሽ ስባጋድስ፣ውክልንኡ ንኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኮይኑ ክቅጽል ከምዘለዎ ድማ ኣመላኺቶም።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ጉባኤ ምስረታ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ዝተመረጸ መንእሰይ ልምዓት ተኽላይ ፣ መንእሰይ ትግራይ ኣጋጢሞምዎ ዘለው ማሕበረ ቁጠባዊ ካልኦትን ፀገማት ንምፍታሕ፣ መሰሉ ንምኽባር፣ ተሳትፍኡ ንምርግጋጽን ከምዝሰርሕ ኣመላኺቱ።
ኣብቲ ምስረታ ዲኤታ ሚኒስተር ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሙና ኣሕመድን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ መንእሰይ ፉኣድ ገናን ተረኺቦም።