ልኡክን ራእይን

ራእይ
ኣብ 2022 ዓ.ም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳያት ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ኮይነን ምርኣይ።
ልኡኽ
ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ክልልና ኣተሓሳስበአን ብምልዋጥ፣ ዓቕመን ብምዕባይ፣ ብምውዳብን ስርዓተ ፆታ ኣብ ሕብረተሰብ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት መስርሕ ኮይኑ ክተኣታቶ ብምግባር ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ማዕረ ተሳታፍነተንን ተጠቃምነትንን ምርግጋፅ።

ሓፈሻዊ ዕላማ
ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ህዝበን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንምልቓቕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህንፀት ዴሞክራሲ፣ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ተወዲበን ንጡፋት ተሳተፍትን በቢደረጅኡ ተጠቀምትን ክኾና ምግባር’ዩ።