
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ውቕሮ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣዳልዩ፣ ኣብ ትራንስፎርሜቲቭ ኣመራርሓ ትኹረት ዝገበረ 31 ማእኸላይ ብርኪ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሴክተራት ክልልና።
እቲ ስልጠና፡
ክእለት ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ፡ ኣብ ውሳነ ምሃብ፡ ምፍታሕ ግርጭታት፡ ኣድማዒ ርክብን ውልቃዊ ምዕባለን ኣገዳሲ ፍልጠትን ክእለትን ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
እቲ መደብ ስልጠና፡ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ፡ ማሕበረሰበን ኣብ ዳግመ ህንጸትን ምምራሕን፡ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ምዕባይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ምሕዋይን ምዕባለን እቲ ዞባ ኣበርክቶ ንምግባር ዓቢ ተራ ክጻወታ ኣነቓቒሑ።





